Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያን ዶክተር መኩሪያ ሃይለ፥ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዒ ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

እዚ ንምምካት ድማ መላእ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ጫፍ ተንቀሳቒሶም ደጀንን ዘማቲን ከምዝኾነን እቲ ኮሚሽን እውን ኣብ ጎኒ ጀጋኑ ብምዃን ሓገዙ ከምዘርኣየን ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ እቲ ኮሚሽን ምስ ኢንስቲትዩት ኣመራርሓ ስራሕ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ልዕሊ 2 ሚሊየን ብር ጥረ ገንዘብን ግምቱ 400 ሺሕ ዝበፅሕ ደረቕ ሬሽን ሓገዝ ምግባሩ ኣብሪሆም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ሽፈራው ተሊላ፥ እቲ ትካል ተቛረፅቲን ኣፍረይቲን ብምትሕብባር 3 ሚሊየን ብር ሓገዝ ምግባሩ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ፋይናንስ ሚኒስቴር ምክልኻል ማርታ ሉዊጂ ብግደአን፥ እቶም ትካላት ዝተለመደ ተግባር ደጀንነት ብምፍፃሞም ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.