Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ ወረዳ እንደርታን ወረዳ አብዓላን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር አብ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘድሃበ ዑደት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ. ሲ)ኣብ መንጎ ወረዳ እንደርታን ወረዳ አብዓላን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር አብ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘድሃበ ዑደት ምክያዱ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ገጠር ልምዓት ወረዳ እንደርታ ገሊፁ።

ኣብቲ ዑደት ካብ 17 ጣብያታት ክልቲአን ወረዳታት ዝተውፃእፀኡ ልዕሊ 120 አመራርሓ ጣብያታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ሕርሻ ወኪላትን ተሳቲፎም።

አብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ መንበረ ቅዱሳን መፋስስ ማይመሓሪ ዝርከብ ዝተከለለን ብዓሚቕ ትረንች ተሰሪሑ ሓዱሸ ዝተተኸለ ተፈጥሮኣዊ ተኽሊን ዘማእኸለ ልውውጥ ተሞክሮ ከምዘካየዱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ገጠር ልምዓት ወረዳ እንደርታ አይተ ፀጋይ ገብተኽለ ሓቢሮም።

እቲ ስራሕቲ ምሕዋይ ተፈጥሮ ካብ 2004 ዓ.ም ከምዝጀመረን ምሰ ሕብረተሰብ፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ብምርድዳእ በቢዓመቱ ተወሰክቲ እታወታት ብምጥቃም ልዑል ለውጢ ክመፅእ ከምዝኸኣለ አይተ ፀጋይ ገሊፆም።

ዕላማ እቲ ዑደት ድማ ብሉፅ ተመኩሮ ናብ ካልኣት ከባቢታት ንምስፍሕፋሕን ሓምላዋይ ከባቢ ንምፍጣር ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ተሳተፍቲ እቲ ዑደት ብግደኦም ኣብቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝገበሩዎ ዑደት ጎረባብቲ ክልቲአን ወረዳታት ንምትእስሳርን ሓድነትን ፍቅርን ብምዕባይ ተሞክሮ ንምልውዋጥ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.