Fana: At a Speed of Life!

ምስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናተዋግአ ዝተሰወአ፤ ጅግና ሓለቓ ሚኢቲ ጌታቸው ሞረዳ ንወዱ ገዛ ተዋሂብዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ግንባር ንዝተሰወአ ጅግና ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓለቓ ሚኢቲ ጌታቸው ሞረዳ ንወዱ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተታሒዞም ዝነበሩ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ውህብቶ ተገይሩሉ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ገፀን ከምዝገለፀኦ÷ ንሃገሮም ክብሉ ህይወቶም ንዝሰውኡ ጀጋኑ ስድረኦምን ኣባልን እቲ ሰራዊትን ኣድላዪ ድጋፍ ንምግባር ምንቅስቓስ ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ን40 መዓልቲታት ምስ ኣቡኡ ኮይኑ ክዋጋእ ዝነበረ ህፃን ቢንያም ጌታቸውን ሓትነታቱን ሎሚ መዓልቲ ብኣካል ከምዝረኸብወን ብምግላፅ÷ ወዲ ጅግና ሓለቓ ሚኢቲ ጌታቸው ሞረዳ ብቁልዕነቱ ክርእይ ዘይግበኦ ነገር ርእዩ እዩ፤ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ንሃገሮም እንትዋግኡ ብቁልዕነት ዓይኒ ርእዩ እዩ ኣብ ርእሱ ድማ ቀሪፁ ኣቕሚጡዎ እዩ እውን ኢለን።

ብተወሳኺ ንስድርኡ ኣብ 2013 ዓመተ ምህረት ብዝተገበረ ምፅራይ መሰረት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተታሒዞም ዝተረኸቡ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ እቲ ሓደ ከምዝተወሃቦ ተገሊጹ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.