Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ውጫሌ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራቤት በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝተተኮሰ መድፍዕ ተቐቲሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ውጫሌ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራቤት በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝተተኮሰ መድፍዕ ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

‘ኢትዮጵያን ንምፍራስ ናብ ሲኦል ክንወርድ ኢና’ ብምባል ናይ ጥፍኣት ኢዱ ዝዘርገሐ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዘይፈፀሞ ግፍዒ የለን ተባሂሉ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ውቅዒት ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ምፅዋር እንትኣቢዮ ምቕታልን ሃፍቲ ምዝራፍን ምዕናውን መግለፂኡ ገይሩዎ ኢዩ።

ነባሪ ከተማ ውጫሌ ዝኾኑ ሓለቓ ሓምሳ ፈንታየ ሞላ ግዳይ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሰባት ሓደ ኢዮም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናብ ከተማ ውጫሌ ከበድቲ መሳርሒታት ብምትኳስ ኣብ ንኣባላት ኣርባዕተ ስድራቤት እንትቐትል ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ከቢድ ሓደጋ ምቑሳል ከምዝበፅሖም ይገልፁ።

ሓለቓ ሓምሳ ፈንታየ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝተኮሶ ከቢድ መሳርሒ በዓልቲ እንደኦም፣ ሰበይቲ ወዶም ከምኡ እውን ሓዎምን ወዶምን ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ፡፡

ኣባል ስድራ መወትቲ ዝኾና ወይዘሮ ኣረጋሽ ሃይሌ ብግደአን፥ ደብዳብ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ይብፃሓ እምበር ሰለስቲኦም ህይወቶም ሓሊፉ ከምዝረኸበኦምን እታ ራብዐይቲ ድማ ኣብ ኢደን ከምዝዓረፈትን ገሊፀን።

ኣዲኡን ሰበይቱን ብሓደ ግዘ ዝሰኣነ ኣይተ ገበየሁ ፈንታየ ድማ “ኣብቲ እዋን ኣርባዕተ ስድራና ስኢንና ክትበኽዩ ኣይትኽእሉን ተባሂልና ተኸልኪልና ኢና” ኢሎም።

ኣብ ሓደ ስድራቤት ኣርባዕተ ሞይቶም፣ ኣርባዕተ ቆሲሎም፣ ሽዱሽተ ኣባጊዕ ተቐቲሎም፣ ሰለስተ መንበሪ ገዛ ሙሉእ ብሙሉእ ዓኒዩ ሓዘን ዘይምግላፅ ኣዚዩ ከቢድ ከምዝነበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብጺቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.