Fana: At a Speed of Life!

ጎኒ ንጎኒ ወፍሪ ህልውና ማእኸላይን ሰፊሕን ህንፀት ፕሮጀክት መስኖ ይሳለጥ ኣሎ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎኒ ንጎኒ ወፍሪ ህልውና ማእኸላይን ሰፊሕን ህንፀት ፕሮጀክት መስኖ እናተኻየዱ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂበን መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝብፅሖ ሰብኣዊን ኢኮኖሚያዊን ጉድኣት ዕዙዝ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብተወሳኺ እውን ስራሕቲ መስኖ ንምጥንኻር  ጠመተ ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባር÷ ካብ ልምዓት ስርናይ ብተወሳኺ ምህርትታት ኣሕምልትን ፍራምረን ንምውሳኽ ብስሩዕ ስራሕ መስኖ እናተኻየደ ይርከብ ኢለን።

ብስሩዕ መስኖ ካብ ኣሕምልቲ፣ ፍራምረን ምህርትታት ሱራሱርን 349 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝተሓረሰ እንትኸውን÷ 311 ሽሕ ሄክታር መሬት ድማ ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ካብ ዝተሓረሰ መሬት 89 ሚኢታዊት ብዝራእቲ ዝተሸፈነ ምዃኑ ኣረዲአን።

ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ስርናይ ድማ 256 ሽሕ ሄክታር መሬት ተሓሪሱ፤ 146 ሽሕ ሄክታር መሬት ወይ ድማ 64 ሚኢታዊት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ እውን ኣረዲአን።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.