Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተወሰነ ውሳነ ኢትዮጵያ ኣይትቕበሎን ንተፈፃምነቱ እውን ኣይትተሓባበርን – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተወሰነ ውሳነ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎን ንተፈፃምነቱ ከምዘይትተሓባበርን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብምድሃብ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ መግለፂ ሂበን፡፡

ኣብ መግለፂአን ድማ ሓደሓደ ሃገራት ፖለቲካዊ ዛዕበአን ሒዘን ፍሉይ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ምክያዱ ኢትዮጵያ ብጥብቂ ከምትቃወሞ ኣመልኪተን፡፡

እተን ሚኒትር ዲኤታ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ኢትዮጵያ ጠንካራን ዘይሻራዊን ዝኾነ ትካል ሰብኣዊ ምህናፃ ገሊፀን፡፡

መንግስቲ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ዓቢዪ ተበግሶ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሀን፡፡

ይኹን እምበር ፖለቲካዊ ዛዕበአን ንምስጓም ዝደልዩ ኣካላት ዳግም እቲ ጉዳይ ንምልዓል ከምዝፈተኑ ብምግላፅ፥ ሓፈሻዊ ከይዲ እቲ ኣኼባ ፖለቲካዊ ዛዕባ ከምዘለዎ ምርኣይ ከምዝከኣል እተን ሚኒስትር ዴኤታ ተዛሪበን፡፡

መንግስቲ ጥፍኣት ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ክፍለጥ ይግባእ ኢየን ዝበላ ኣብ መግለፂአን፡፡

“እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፈፀሞ ግፍዒ ንምስማዕ እዝኒ ዘይህቡ ኣካላት ዝገበሩዎ ኣኸቤባ ኣቐዲምካ ፍርዲ ብምሃብ ኣብ መጋባእያ ከም ምቕማጥ ኢዩ” ክብላ ገሊፀን፡፡

መንግስቲ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓቢሩ ክሰርሕ ከምዝደሊ እናርአዮ ዝነበረ ተበግሶ ዝሑል ማይ ምሕዋስ ኢዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ውፅኢት እቲ ኣኼባ እውን መንግስቲ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጠን፡፡

ትማሊ ዝተገበረ ኣኼባ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፈተናኣ መን ጎና ከምዘሎ ዝመልከተትሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንፈተውቲ ሃገራት ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ዘይሻራዊ ብዝኾነን ሕጋዊ ከይዲ ብዝሓለወን መልክዑ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ምክያዱን ዘይምክያዱን ንምምርማር ዝደልዩ ኣካላት በራ ክፍቲ ኢዩ እውን ኢለን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ፖሊስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋንን ሕገ-መንግስቲን ብምጥሓስ ምስ ግብረ ራዕዳውያን ብምስረሖም ጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ዘውዐሎም ጋዜጠኛታት ተተሓሒዙ፥ ሞየኦም ከለላ ክኾኖም ከምዘይኽእል ኣብ መብረሂአን ገሊፀን፡፡

ኣብ ትሕቲ ከለላ ሕጊ ዝርከቡ ሰብ ሞያታት ከምዝኾነ ይኹን ሰብ ሕጊ ከኽብሩ ከምዝግበኦም ክግንዘቡ ይግበኦም ኢለን፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.