Fana: At a Speed of Life!

ፊሊፕንስ ሕብረት ኣውሮፓ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ተቐባልነት የብሉን ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈፂሙ ኢዩ ብምባል ክዘራረበሉ ቆፀሮ ዝሓዘሉ ውሳነ ሓሳብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣብ ጄኔቫ ዝርከብ ቀዋሚ ልኡኽ ፊሊፒንስ ኣብ ውድብ ሕበሩራት መንግስታት ኤቫን ጋርሽያ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊሊፒንስ ቴዮዶር ሎሲን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ ዝጣየሽ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያታት ሰብኣዊ መሰላት ቀንዲ ዕላምኡ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ዘይኮነስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኢድ ንምእታውን ሉኣላውነት ንምድፋር ድሌት ተገይሩ ዝውሰድ ኢዩ ኢሎም።

ናይዚ ሓሳብ ዘሰጉማ ሃገራት ኢድ ምእታው ካብድላይ ዝፍልፍል ፖለቲካዊ ድሌት ከምዝኾነ ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዘመላኸቱ።

ሉኣላውነት ንምጥሓስ ብምሕሳብ ነቲ ጉዳይ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ብምስፋዕ ዘጋውሓ ሃገራት ባዕለን ብዙሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍፀመለንን ንፀገመን መፍትሒ ዘየቐመጣን ምዃነን እውን ኣብሪሆም፡፡

እተን ሃገራት ድሌተን ንምሕላውን ናይ ባዕለን ጥፍኣት ንምሽፋንን እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ካብ ምጥቃም ክዕቀባ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ኣካይዳ እነዘይተስተኻኺሉ ኣብቲ ኣኼባ ትዕደም ፊሊፒንስ ብተቓውሞ ከምትዋፀኦ ኣቐዲሞም ምትሕስሳቦም ክብል ኒውስ ኤቢኤስ ፀብፀቡ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.