Fana: At a Speed of Life!

ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅና ንስድራ ዘመትቲ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅና ንስድራ ኣብ ወፍሪ ህልውና ሃገር እናተሳተፉ ዝርከቡ ዘመትቲ ሎሚ መዓልቲ ሓገዝ ገይሮም።

እቶም ኣመራርሓታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ኩለን ክፍለ ከተማታት ንዘተውፃፅኡ 220 ስድራ ዘመትቲ ንሕድሕዶም 50 ኪሎ ግራም ፍርኖ ሕሩጭን 5 ሊትሮ ዘይቲን ሓገዝ ገይሮም፡፡

ምክትል ሓላፊ ዘፈር ውዳበ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ካሊድ ኣልዋን፥ “ምስ ስድራ ጀጋኑ ዘመትቲ ብምዃን ምሕዝነት ፓርተይ እንትገልፅ ልዑል ክብሪ ይስመዐኒ” ኢሎም፡፡

ስድራጀጋኑ ዘመትቲ ክበፅሖም ዝኽእል ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከቃልሉዎ ከምዝጋባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወረዳ በራህ ብምርካብ ዝራእቲ ስድራ ዘመትቲ ምእካቦም ይዝከር፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.