Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀም መጥቃዕቲ ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ ሃዋሳን ድሬዳዋን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀም መጥቃዕቲ ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ ሃዋሳን ድሬዳዋን ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ “ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ይዕሰል፤ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝፍጠም መጥቃዕቲ የብቅዕ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ሰላማዊ ሰልፊ እናተኻየደ ይርከብ።

እቶም ሰልፈኛታት፥ ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ጎራዙን ንምክልኃልን ንምውጋድን ኩልና ሓላፍነትና ንዋፃእ፣ ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ የብቅዕ፣ ሱቕ ኣይንብልን፣ ፆታዊ ጥቕዓት ከም ጦር መሳርሒ ምጥቃም የብቅዕ ዝብሉን “የኣክል” ዝብሉን ጭርሖታት ኣስሚዖም፡፡

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ከድር ጁሃርን ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ከምኡ እውን ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዳይሬክተር ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሜጀር ጀነራል ጥሩዬ አሰፌ ከምዝተረኸቡ ካብቲ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ሲዳማ ነቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዝቃወም ሰልፊ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተኻየደ ዝነበረ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ከተማ ሃዋሳ መጠቓለሊ ምድላው ተኻይዱ፡፡

ኣበቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብግብ ረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅ መጥቃዕቲ ደው ይበል፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢና፣ ሓደሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ኢድኩም ካብ ኢትዮጵያ ኣልዕሉ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ኣስሚዖም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅ ኢ-ሰብኣዊ መጥቃዕቲን ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነትን ዝኹን ሰልፊ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተኻይዱ፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ወላይታ እውን ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ዝቃወምን ንህልውና ሃገር ጠጠው ከምዝብላን ዝገለፃሉ ሰልፊ ኣካይደን፡፡

ብብርሃኑ በጋሻውን ጥላሁን ሁሴንን

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.