Fana: At a Speed of Life!

ዝፈጠርናዮ ሃገራዊ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላምን ህንፀት ሃገርን ክንጥቀመሉ ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ወራር ንምምካት ዝፈጠርናዮ ሃገራዊ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላምን ህንፀት ሃገርን ክንጥቀመሉ ይግባእ” ክብላ ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ፥ “ኲናት ናብ ምዕባለ ብጎደና ሰላም” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብምድሃብ ምስ ኣመራርሓታት፣ ትካላት ክፍለ ከተማ፣ ኣመራርሓታት ሚዲያ መንግስቲን ውልቀን ከምኡ እውን ሰብ ሞያ ኪነጥበብን መምህራንን እታ ከተማ ተዛቲየን፡፡

እቲ ዘተ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ከምዝሓበረኦ፥ “ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዘንፀላለወልና ወራር ንምምካት ብኩሉ ዓውዲ ዝፈጠርናዮ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላምን ህንፀት ሃገርን ክንጥቀመሉ ይግባእ” ኢለን።

ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፀን ኣብ ምርግጋፅ ኩለመዳይ ልምዓት ሃገርን ናይ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ፣ በዓል ሞያ ሚዲያን ኪነ ጥበብን ሞያዊ ሓላፍነት ከምዝጠልብ ገሊፀን።

ንዘበናት እናተጓቱ ዝፀንሑ ፀገማት ንኹሉ ዘካተተ መድረኽ ብሄራዊ ልዝብ ንምፍታሕ ከምኡ እውን በቲ ወራሪ ጉጅለ ዝዓነዉ ከባቢታትን መሰረተ ልምታትን መሊስካ ብምህናፅን በቲ ጉጅለ ዝተትሓዙ ዝተረፉ ከባቢታት ናፃ ኣብ ምግባርን ትፅቢት ዝግበር ግደ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ተዛሪበን።

ዝተጎድአ ኢኮኖሚ ብምህናፅን ሽቶ ምዕባለ ኣብ ምዕዋትን ዝተርኣየ ልዑል ህብረ ብሄራዊ ምልዕዓልን ሓድነትን ብምጥቃም ካብ ኩሉ ትፅቢት ይግበር ዝበላ እተን ከንቲባ፥ መሰል ልዝባት ኣብ መላእ እታ ከተማ ምስ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ከምዝካየድ ሓቢረን፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.