Fana: At a Speed of Life!

ቤት ዕዮታት መንግስታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝዓነዉ ጣቢያታት ፖሊስ መሊስካ ንምጥያሽ ዘኽእል ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል፣ ኮሚሽን ፖሊስ ኣድስ ኣበባን ኢትዮ ቴሌኮምን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ ጣቢያታት ፖሊስ ንምጥያሽ ዘኽእል ናውቲ ቢሮ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ኮሚሽነር ጀኔራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣድስ ኣበባን ጌቱ ኣርጋውን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ኣብ ክልል ዓፋር ተረኺቦም ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣረኪቦምዎ፡፡

ልዕሊ 5 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ እንትኸውን፥ እቶም ትካላት ኣብ ክልል ዓፋር ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖም ጣቢያታት ፖሊስ ንምጥያሽ ዝሕግዙ ከም ኮምፒዩተር፣ ፕሪንተር፣ ጠረጴዛ፣ ወምበርን ካልኦት ንስራሕቲ ቢሮ ዝውዕሉ ናውቲን ሓገዝ ገይሮም፡፡

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ እተን ጣቢያታት ናብ ስራሕ ብምእታው ሰላም ሕብረተሰብ ንምምላስን በቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዝተፈፀሙ ገበናት ኣዋዲድካ ንምስናድን ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

ብበላይ ተስፋዬ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.