Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ሕርሻ ካብ ልምዓት ወፃኢ ገይሩ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ሕርሻ ካብ ልምዓት ወፃኢ ከምዝገበሮ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን እዋን ሕርሻ 13 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምሕራስ 375 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ዶክተር መለሰ መኮነን ገሊፆም።

ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ወሪሩ ኣብ ዝሓዞም ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከብ ምህርቲ ሕርሻ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ብዝርኣቲ ዝተሸፈነ መሬት፣ ንምህርቲ ዝበፅሑን ኣብ ምብፃሕ ዝነበሩ ዝራእትታትን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ገይርዎ እዩ ኢሎም።

ጉጅለ ህወሓት መሬት ሓረስታይ ብታንክን ብመኪናን ከይድሉ እዩ ዝበሉ እቶም ሚነስትር ዲኤታ÷ እቲ ዝተረፈ ናይ ሕርሻ መሬት እውን መቓብር ጅምላ ከምዝገበሮ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓርስቶት ተረጋጊዖም ንከይሓርሱን ምህርቶም ንከይእክቡን ኣብ ስግኣት ከምዘእተዎም ዶክተር መለሰ መኮነን ኣብሪሆም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.