Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ13 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ሰብኣዊ ድጋፍ ይቐርብ ኣሎ – ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ልዕሊ 13 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ሰብኣዊ ድጋፍ ይቐርብ ከምዘሎ ምኽትል ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይድሩስ ሃሰን ኣፍሊጦም።

ካብ መንግስቲ ድጋፍ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ስብኣዊ ትካላት ንዝተፈላለያ ክልላት ድጋፍ የቕርቡ ከምዘለዉ እቶም ምኽትል ኮሚሽነር ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።

ብምዃኑ÷ ኣብ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ንዝርከቡ ተመዛበልቲ፤ ከምኡ እውን ጉድኣት ንዝበፅሖም ሰባት ሓገዝ ምግቢ፣ ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውትታት፣ መድሓኒትን ዝተፈላለዩ ድጋፋት ብመንግስቲ ተገይሩ እዩ።

እቲ ድጋፋት ንምብፃሕ፣ ባዓል ሞያታት ብምውፋርን ማዕኸላት ብምጥያሽን ሓላፍነቶም እናተዋፅኡ ምኻኖም ኣብሪሆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝቐርብ ድጋፍ ምስ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ትካላትን ፕሮግራም ምግብ ዓለምን ብምትሕብባር እናብፀሐን መንግስቲ ድማ እቲ ድጋፍ እናተሓባበሮ ከምዝኾነን እቶም ምክትል ኮሚሽነር ተዛሪቦም።

መንግስቲ የካይዶ ዘሎ ወፍሪ ስዒቡ፤ ካብቲ ህወሓት ናፃ ካብ ዝወፃ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተወሳኺ ድጋፍ ዘድልዮም ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ምህዎም ኣፍሊጦም።

ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ተሓሳቢ ብዝገበረ መልክዑ ብብርኪ ፌዴራል ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ሰኔ 2014 ዓ.ም ልዕሊ ብር 40 ቢሊየን ከምዘድሊ ኣብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ኣረዲኦም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.