Fana: At a Speed of Life!

ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ኩሉ ግዘ ዘይነቓነቕ ኢዩ – ጄኔራል ባዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ኣገልግሎት ሜትሮፖሊታን ናይሮቢ ሌተናት ጄነራል መሓመድ ዓብደላ ባዲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘሎ ርክብ ብምልውዋጥ መንግስታት ዘይነቓነቕ ከምዝኾነ ገሊጶም።

ጄነራል ባዲ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለም ናብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝተቐበሉሉ እዋን፥ “ናይ ከክልቲአን ሃገራት ርክብ ብሓድነት ሓበራዊ ህዝቢታትኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝቖመ ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ እምበር ንሕና ዝፈጠርናዮ ኣይኮነን” ኢሎም፡፡

ኬንያ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ዘይንኪ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ከተማ ናይሮቢ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝነብሩላ ኢያ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ጄነራል፥ ከተማ ናይሮቢ ምስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምትእስሳር ከምትደሊ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ንኽረጋገፅ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ንዘሃቡዎ ሓገዝ ከምኡ እውን ኬንያውያን ንዘርአዩዎ ምሕዝነት ምስጋና ምቕራቦም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.