Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ንምንባር ዘለዋ ድሌት ሓደገኛ ከምዝኾነ ማእኸል ፍትሒን ሰላምን ሮኪ ማውንቴይን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ፍትሒን ሰላምን ሮኪ ማውንቴይን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝንበር ዝኾነ ይኹ ማዕቐብን ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካን ሓደገኛ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ማእኸል ፍትሒን ሰላምን፥ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ይኹን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ኣብ ሓይሊ ዝተመርኮሰ ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካ ይኹን ኢኮኖሚያዊ ማዕቐብ ብጥብቂ ከምዝቃወም ኣመልኪቱ፡፡

ኣሜሪካ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብፕሮፓጋንዳ ከምትድግፍን ናውቲን መሰል ሓገዛትን ከምትህብ ሓበሬታ ከምዘለዎ እውን እቲ ማእኸል ገሊፁ፡፡

“ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ኣብዝነበረሎም ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ጭቆና ዝዓሰሎ ኣገዛዝኣ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኣሜሪካ ነዚ እናፈለጠት ምስቲ ጉጅለ ምሕባራ ኣቖጢዑና ኢዩ” ኢሉ፡፡

እቲ ማእኸል ኣብ ሃገራት ኮሪያ፣ ቬትናም ፣ ሊባኖስ፣ ሶማሊያ፣ ኒካራጉዋ፣ ሄይቲ፣ ሰርቢያ፣ ኢራቅ፣ ሊቢያ፣ አፍጋኒስታን፣ ሶሪያን ካልኦት ሃገራትን ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዝኸፍአ ጉድኣትን ዘይምርግጋዕን እምበር ትፅት ዝግበር ውፅኢት ከምዘየምፀአ እውን ኣዘኻኺሩ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.