Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ እዋናዊ ሃገራውን ክልላውን ጉዳያት ይዝትዩ ኣለው

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ክልል ሲዳማን ኣብ እዋናዊ ሃገራውን ክልላውን ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ከተማ ቦንጋ ይዝትዩ ኣለው።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መድርኽ ዘተ÷ ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልል፣ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ኣመራርሓ ዞባታትን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ዝርዝር ጉዳያት ክልላውን ሃገራውን ዘተ ተገይሩ ቀፀልቲ ኣንፈታት ክቕምጡ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብካልእ ወገን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ፤ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣብርሃም ማርሻሎ፣ ምኽትል ሓላፊ ርእሰ ምምሕዳር  ቤሮ ትምህርቲ በየነ ባራሳ፣ ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ፋንታዬ ከበደ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ኣመራርሓታት ምምሕዳር ከተማን ወረዳን ከምዝተሳተፉ ካብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ብተመሳሳሊ ብሄራዊ ክልል ህዝታት ጋምቤላ ካብ ዞባታትን ወረዳታትን ምስ ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብምድሃብ ልዝብ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉን ተፀዋዒ መንግስቲን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅናን ኣይተ ላክደር ላክባክ ተሳቲፎም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.