Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፍሉይ ኣኼባ ምፅውዑ እቲ ትካል ዘይሻራዊ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ መፈፀሚ ፖለቲካዊ ድሌት ከምዝኾነ ዘመላኽት ኢዩ – ኣይተ ከበደ ደሲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፍሉይ ኣኼባ ምፅውዑ እቲ ትካል ኣብ ሻራዊነቱ ብዙሕ ሕቶ ዘልዕል ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

የመንግስት ኮሙኒኬሽን አገልግሎት ሚኒስትር ዴኤታ አቶ ከበደ ደሲሳ ዛሬ በሰጡት መግለጫ፥ ምክር ቤቱ በኢትዮጵያ ላይ የጠራው ልዩ ስብሰባ ኢትዮጵያ እያከናወነችው ያለውን ስራ ግምት ውስት ያላስገባ እና ያለውን ተጨባጭ ሁኔታ ያላገነዘበ መሆኑን አንስተዋል

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ከበደ ደሲሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝፀወዖ ፍሉይ ኣኼባ ኢትዮጵያ እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕ ኣብ ግምት ዘየእተወን ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ዘየገናዘበን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ዝተፀወዐ ኣኼባ ብዙሓት ሕቶታት ክለዓሉዎ ዝገብር ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ እቲ ኣኼባ ንኽግበር ድጋፍ ካብ ሞንጎ ዝሃባ ሃገራት ኣፍሪካዊት ሃገር ዘይምህላዋ ዘይሻዋሪነት እቲ ቤት ምኽሪ ብቅሉዕ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ድማ እቲ ፀገም ናይ ኣፍሪካውያን ምዃኑ ካብ ምርግጋፁ ሓሊፉ እቲ ቤት ምኽሪ ሓደሓደ ሃገራት መፈፀሚ ፖለቲካዊ ድሌተን ምዃኑ የረጋግፅ ኣሎ ኢሎም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ውሳንኡ ተኣማኒነት ዘይሻራዊነትን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ኢዩ ኢሎም፡፡

መንግስቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ፈፂሙ ኢዩ እንተተብሃለ እኳ፥ እቲ ቤት ምኅ ኣድላዪ ኣሰራርሓ ክኸተል ከምዝግበኦ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣገንዚቦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ፀገም ብምፅራይን ናይ ምስትኽኻል ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ እናሃለወ ኣኼባ ክካየድ ኣይምተገበአን ክብሉ ገሊፆም፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ብኻሊእ መዳይ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወራር ሒዙዎም ኣብ ዝነበሩ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈፀሞም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰልን ቁሳዊ ዕንወትን ከምዘይሰምዐ ሓሊፉዎም ኢዩ ኢሎም፡፡

እዚ እውን እቲ ትካል ዘይሻራዊ ዘይምዃኑን ናይ ሓደሓደ ሃገራት መፈፀሚ ፖለቲካዊ ዛዕባ ከምዝኾነ ዘረድእ ኢዩ ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂኦም ተዛሪቦም፡፡

ካብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ብተወሳኺ፥ ዩኔስኮ፣ ውድብ ጥና ዓለምን መሰል ዓለም ለኸ ትካላትን በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከልዕሉ ከምዘይደልዩ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ናይዞም ትካላት ዘይሻራወነትን መምርሒ ዘይተኸተለ ኣሰራርሓን ቅዋምን ብጥብቂ ከምትቃወም ኣይተ ከበደ ኣገንዚቦም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.