Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ንኽልዋ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ኣፍሪካውያንንኽፅምበሩ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ንኽልዋ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ናፅነት፣ ማዕርነትን ፍትሓዊነትን ካልኦት ኣፍሪካውያን ክፅምበሩ  ከምዝግባእ ኣብ ኣሜሪካ ስቶኒብሩክ ዝርከብ ዩኒፈርሲቲ ኒውዮርክ መምህር ፖለቲካ ኣፍሪካን ተመራማሪን ዶክተር ሽመልስ ቦንሳ ገሊፆም።

ኣፍሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ንኽትረክብ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ሓዱሽን ፍትሓዊን ዓለም ናይ ምፍጣር ኣካል ቃልሲ ከምዝኾነ ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ካብ ኩለመዳይ ፅዕንቶ ናፃ ንምውፃእ ዝግበር ቃልሲ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ብምክያድ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ቦታ ሒዛ ክትቅፅል ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ክትረክብ ኣለዋ ዝብል ሕቶ ነዊሕ እዋንን ታሪኻዊ መሰረት ዘለዎን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶክተር ሽመልስ፥ ኣቦታት ናፅነት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀዋሚ መቐመጢ ምርካባ ፍትሓዊን ማዕርነታዊ ሕቶን ከምዝኾነ ብምግላፅ ቃልሲ እናገበሩ ምፅነሖም ተዛሪቦም።

ሕዚ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት መራሕቲ እታ ኣህጉርን ሕቶ ምልዓሎም ካብ ፍትሓውነትን ማዕርነትን ዝፈልፈለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.