Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ዘጋጠመ ፀገም ኩሉ ተቓሊስና እንስዕር ህዝብታት ምዃንና ሎሚ እውን ብተግባር ኣረጋጊፅና – ኣይተ እርስቱ ይርዳው

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘይደራደሩን ዘጋጠመ ፀገም ኩሉ ተቓሊሶም ዝስዕሩ ህዝብታት ምዃኖምን ሎሚ እውን ብተግባር ኣረጋጊፆም ኢዮም ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ  ኣይተ እርስቱ ይርዳው ገሊፆም፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ዛዕባታት ኣድሂቦም ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዘተ የካይዱ ኣለዉ፡፡

ኢትዮጵያን ካብ ኪለመዳያዊ ምዕባለ ብምንቃል ኣብ ዕንክሊል ኲናት ብምፅናሕ ግዳማውን ውሽጣውን ሓልታትን ዝኸፈቱዎ ኲናት ብምምካት  ኢትዮጵያውያን ዘርኣይዎ ሓድነትን ፅንዓትን ዝድነቕ ከምዝኾነ እውን እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም፡፡

ኣብ ወፍሪ ህልውና ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኣላውነትን ኢትዮጵያ ንምሕላው ካብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብተወሳኺ ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮምከምዝቕፅሉ ኣብሪሆም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓ÷ ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልል፣ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣመራርሓታት ምትሕብባር ዞባታትን ፍሉይ ወረዳታትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.