Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝበፅሑ ሓደጋታት ንምፅዋርን ምላሽ ንመሃብን ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ወራሪ ፀላኢ እናወሰዶ ምስ ዝርከብ ዝተጠናኸረ ናይ መጥቃዕቲ  ስጉምቲ ጎና ጎድኒ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝበፅሑ ሓደጋታት ንምፅዋርን ምላሽ ንመሃብን ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣፍሊጦም።

ብሄራዊ ኮሚቴ ምክልኻልን ድሉውነትን ሓደጋ፥ ኣብ ልኡኽቶ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋን መሊስካ ምጥያሽን ብምትኳር ንመፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ግልፂ ምውፋር ስራሕ ዝተውሃበሉ መድረኽ ኣካይዱ።

ኣካቢ እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ፀላኢ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ መጥቃዕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ወራሪ ፀላኢ ካብ ዝውሰድ  ስጉምቲ ጎና ጎድኒ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝበፅሑ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ንምፅዋርን ምላሽ ንመሃብን ኣብ ዝግበር ኩለመዳይ ፃዕሪ ብቕንዕና ንምምራሕ ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ኣይተ ደመቀ ዕላዊ ገይሮም።

ከም ገለፃ እቶም ሚኒስትር፥ ብወራር ፀላኢ ተታሒዞም ዝነበሩ፤ ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝርከቡ ከባቢታት ከምኡ እውን ኣብ ሰበኽሳግም ከባቢታት ዝበፅሐ ሓደጋ ድርቂ ንምፅዋር ዘኽእሉ ንኹሉ ዝሓቑፉ ሓገዛት ብፍሉይ ትኹት ክሳለጡ ኢዮም።

ብመንፅር ኢዚ ድማ ኣካላት ኣፈፀምቲ መንግስቲ መዓልታዊ ተበፃሕነት ቀረባት ሓገዝ፣ ስራሕቲ እግሪ ምትካልን ምሕዋይን ኣብ ዝምልከት ብዝተፀንዐን ብስምረትን ሓላፍነቶም ብሓባር ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዑ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታተ ኣብ ዝወሃቡ ምለሳሻትን ተግባራት መሊስካ ህንፀትን ኣፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ብሓባር ክረባረቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ብዝግበር ሰፊሕ ወፍሪ ምጥቃዕ ስዒቡ ናፃ ዝወፅኡ ከባቢታት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ዘኽእሉ ሓገዛት ብቅልጡፍ ተበፃሒ ንምግባር፤ ሕድሕድ ሴክተር ቤት ዕዮ ካብ ብሕዚኡ ኣድላዪ ምድላው ክዛዝም ከምዝግበኦ እውን ኣስሚሮምሉ።

ብሄራዊ ኮሚቴ ምክልኻልን ድሉውነትን ሓደጋ፥ ኣብ ልኡኽቶ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋን መሊስካ ምጥያሽን ብምትኳር ንኣፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ግልፂ ምውፋር ስራሕ ከምዝሃበ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.