Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣሰናዳኢነት መበል 17 ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ካብ ፖላንድ ብዕሊ ተረኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናደእነት ፖላንድ ክካየድ ዝፀንሐ መበል 16 ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ተዛዚሙ፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣብ 2015 ዓ.ም ዝካየድ መበል 17 ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ንምስንዳእ ኢትዮጵያ ካብ ፖላንድ ብዕሊ ተረኪባ ኣላ፡፡

ሚኒስተር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሑሪያ ዓሊ÷ “ኣብ ዝቕፅል ዓመት  ኢትዮጵያ እተሰናድኦ ፎረም፤ ፀገማት ኢንተርኔትን መሰረተ ልምዓትን ኣፍሪካውያን ብምፍታሕ ኣብ ተርታ ዝማዕበላ ሃገራት ዘሰልፋ ዓቕሚ ንምፍጣር ኣንፈታት ፍታሕ ዝሕበረሉ ንክኾን ክንሰርሕ ኢና” ኢለን፡፡

ናይ ሎሚ ዓመት ጉባኤ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዘጋጠመሉን ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣማራፅታት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝሐሹ ኮይኖም ዝተረኸብሉን ከምዝኾ ዝገለፃ እተን ሚኒስተር ዲኤታ፥ ንዲጂታል ዝምቸው ኩነታት ንምፍጣር መውፃእቲ ፖሊሲን መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪበን፡፡

ፀገም ህንፀት መሰረተ ልምዓት ንኣፍሪካ ፈተና መፃኢ እዋን ከምዝኾን ስግኣተን ገሊፀን።

ኢትዮጵያ መበል 17 ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ብዓወት ንምዝዛም ዘለዋ ቆራፅነት ዘረጋገፃ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ፎረም ምሕደራ ኢንተርኔት ጉዳይ ኣፍሪካ ጎሊሁ ንኽወፅእ ክስራሕ እዩ ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስትሪ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.