Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ትካላት ህወሓት ዝፈፀሞም ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰታት ቁሳዊ ዕንወታትን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ምዕዛብ ከምዝኽእሉ መንግስቲ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣2014 (ኤፍ ቢሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈፀሞም ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰታትን ቁሳዊ ዕንወታትን ዓለም ለኸ ትካላት ተኻታዕቲ ሰብኣዊ መሰል ንምፍላጥ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂበን መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ መንግስቲ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብወራር ሒዙዎም ኣብ ዝነበሩ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝፈፀሞም ንምእማን ዝኸብዱ ዘስካሕኽሑ ግፍዒታት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክፈልጦም ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን፡፡

ዓለም ለኸ ትካላት ተኻታዕቲ ሰብኣዊ መሰል፥ እቲ ግብረ ራዕዲን ወራሪን ጉጅለ ዝፈፀሞም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዘብፀሖም ንዋታዊ ዕንወታትን ብኣካል ተረኺቦም ንኽዕዘቡ መንግስቲ ፃውዒት ከምዘቕረበ ገሊፀን፡፡

ትማሊ ኣብ ዝተኸበረ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ጥቕዓት ዝተፈፀሞም ዜጋታት ተሓሲቦም ከምዝወዓሉ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ጥፍኣተኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ነዚ ድማ ብቤት ምኽ ሚኒስትራት ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ከምዘሎ ኢየን ዝሓበራ።

ዕላማ እቲ ግብረ ሓይሊ ድማ ብምኽንያት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምጥያሽ ዝግበር ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ምምራሕ ከምዝኾነ ኣገንዚበን እተን ሚኒስትር ዲኤታ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ቅድሚ ሕዚ ዝፈፀሞም ጥሐሰታት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ብሓባር ብምዃን መግለፂ ከምዝሃቡ እውን ኣዘኻኺረን፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.