Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብህወሓት ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ መሊስካ ስራሕ ንምጅማር ልዕሊ 11 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ብህወሓት ዝዓነዉ ካብ 4 ሺሕ ዝበልፁ ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ስራሕ ንምጅማር ልዕሊ 11 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብቲ ክልል ዘዕነዎም ትካላት ምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ወለዶ ኣብ ዝህነፀሎም ትካላት ትምህርቲ ልዑል ዕንወት ኣብፂሑ ኢዩ።

መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዝዓነዉን ዝፈረሱን ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ብምህናፅን ብምፅጋን ስራሕ ክጅምሩ ንምግባር መንግስቲ ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ዝግበር ርብርብ ተሳትፎ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ከምዝኾነ ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዘመላኸቱ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ማተቤ ታፈረ ብግደኦም፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብወራር ሒዙዎም ኣብ ዝፀንሑ ከባቢታት ካብ 4 ሺሕ ዝበልፁ ትካላት ትምህርቲ ኣዕኒዩ ኢዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብህወሓት ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ መሊስካ ስራሕ ንምጅማርን ከይዲ ስራሕ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማርን ልዕሊ 11 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.