Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ መጣየሺ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ተዛቲዩ ውሳነ ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼበቡኡ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ መጣየሺ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ብምዝታይ ውሳነ ኣሕሊፉ።

መንግስቲ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ተቐባልነት ረኺቡ እንትምረፅ ቃል ካብ ሞንጎ ዝኣተወሎም ሃገራዊ ጉዳያት፥ ንኹሉ ዘካትት ሃገራዊ ምይይጥን ምኽክርን ብምክያድ ሃገራዊ ምርድዳእን ኣብ ጉዳይ ሃገር ናይ ሓባር ቅዋም ንኽህሉ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ሓደ ከምዝጀኾነ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ መሰረታዊ ኣብ ዝበሃሉ ሃገራዊ ጉዳያት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዝተሰለፉ ልሂቃን ፖለቲካ ይኹ ምልኣተ ህዝቢ ተቐራሪቡን ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ሃናፂ ቅዋም ክሕዙ ንምግባርን ኣካታቲ ዝኾነ ሃገራዊ ምኽክር ተግባራዊ ንምግባር ዘይሻራዊ ኮይኑ ንምምራሕን ንምትሕብባርን ተቐባልነት ዘለዎ ትካል ምጥያሽ ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ረቂቕ ኣዋጅ መጣየሺ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ተሰናዲኡ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንውሳነ ቀሪቡ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ መጣየሺ ኣዋጅ ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ንኽድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ክመሓላለፍ ወሲኑ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.