Fana: At a Speed of Life!

ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ተወሪሮም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ከምዝስራሕ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ተወሪሮም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ከምዝስራሕ ተሓቢሩ።

ኮሚሽነር ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግቢን ክልል ኣምሓራ ዘላለም ልጅኣለምን ሓላፊት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስን ሃፍቲ ሰብን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂክማከይረዲንን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ግምባር ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሓለፍቲ ምስ ፋና ቴሌቪዥን መደብ “ስለ ኢትዮጵያ” ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ንብረት መንግስቲን ህዝቢን ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሓላፊት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስን ሃፍቲ ሰብን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂክማ ከይረዲን፥ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅ በደላት ስነ-ኣእምሮኣዊን ኢኮኖሚያዊን ጉድኣተን ዝሓየለ ስለዝኾነ እቶም ፀገማት ንምስትኽኻል እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ኣብሪሀን፡፡

ከም መንግስቲ ይኹን ከም ማሕበረሰብ እታ ከተማ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዘብፀሖ ጥፍኣት ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽ ከምዝስራሕ ገሊፀን፡፡

ነዚ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዝተፈላለዩ ግምባራት ንዝዋደቑ ጀጋኑን ንዝተመዛበሉ ወገናትን ሓገዝ እናገበረ ከምዝፀንሐ ዝሓበራ እተን ሓላፊት፥ እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጠን፡፡

ኮሚሽነር ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግቢን ክልል ኣምሓራ ዘላለም ልጅኣለም ብግደኦም፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ዓለም ለኸ ትካላት ሓገዝ ብዘይ ምግባሮም ብሕፅረት ምግቢን መድሓኒትን ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈ ገሊፆም፡፡

ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብቃላት ዘይግለፅ ዘስካሕኽ ግፍዒ ከምዝፈፀመ ብምሕባር፤ ዝበፅሑ ቅልውላዋት ንምስትኽኻል እቲ ክልል ትልሚ ከምዝሓንፀፀ ኣፍሊጦም፡፡

መሊስካ ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ስራሕ ሰብ ሃፍቲ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ፈተውቲ ሃገር ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ሓገዝ ንኽገብሩ ሓቲቶም፡፡

ምስዚ ተተሓሒዡ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ክህልዉ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ፣ መሊስካ እግሪ ንምትካልን ኣብቲ ክልል ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈፀሞም ኣረሜኒያዊ ተግባራት ናብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ናይምፍላጥ ስራሕቲን ከምዝስራሕ እቶም ኮሚሽነር ኣፍሊጦም፡፡

ብዮሐንስ ደርበው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.