Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅሖ መሪር ስዕረት ብናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ክሽፍኖ ኣይከኣለን – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅሖ መሪር ስዕረት ብናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ክሽፍኖ ኣይከኣለን፤ ኣይኽእልን እውን” ክብል ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ መግለፂ ሂቦም።

ዶክተር ለገሰ ኣብ መግለፂኦም፥ “ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዝሰዓሩሉ ምንቅስቓስ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

“ኣብቲ ወፍሪ ኢትዮጵያውያን ብሃደ ደው ዝበሉሉን ዕዙዝ ጥበብ ኣመራርሓን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂን ተራኢዩ ንፀላኢ ዝበታተነ ኢዩ” ኢሎም።

ክልል ዓፋር፣ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ፣ ሰሜን ሸዋን ካልኦት ከባቢታትን በቲ ወፍሪ ሙሉእ ብሙሉእ ናፃ ምውፀኦም፣ ኣብ ደቡብ ወሎ ደሴን ኮምቦልቻን ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት፤ ኣብ ሰሜን ወሎ እውን ላሊበላ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ናፃ ምውፀኦም ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ካልኦት ከባቢታት እውን ኣብ ቀረባ እዋን ናፃ ከምዝወፅኡ ገሊፆም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅሖ ስዕረት ብልሙድ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንድኡ ክጋርዶ ከምዘይከኣለ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ዝበፅሖ ስዕረት ስዒቡ ነንባዕሉ ምክፍፈፋል ከምዝፈጠረን ህዝባዊ ተቓውሞ ከምዝተለዓሎን ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዝሓበሩ።

እቲ ጉጅለ ብዙሓት ኣረመኔያዊ ተግባራት ከምዝፈፀመ ብምሕባር፤ ፅባሕ ኣብ ዝኽር መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል ዘብፀሖ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተሓሲቡ ከምዝውዕል ገሊፆም።

ናፃ ኣብ ዝወፅኡ ከባቢታት መሰረተ ልምዓታትን መንግስታዊ ውዳበ ምምሕዳርን ናይ ምምላስ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ዝግበር መሊስካ ህንፀት ብዓቕሚ መንግስቲ ጥራሕ ዝሽፈን ስለዘይኮነ፥ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት፣ ሕብረተሰብን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ሓቲቶም።

ኣብ ልዕሊ ተለኣኣኺ ህወሓት ሸኔ ብዝተወሰደ ስጉምቲ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምድኻም ሰላም ኦሮሚያ ምርግጋፅ ከምዝተኸኣለ ኢዮም ኣብ መግለፂኦም ዝገለፁ።

ንሸኔ ኣዕቢኻ ንምስኣል ዝተፈላለዩ ወፍሪታት እናተገበሩ ከምዝነበሩ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ እዚ ዘይበሃል እናተሽሎኽሎኸ ጉድኣት ዘብፅሕ ናይ መንደር ሽፍታ ኢዩ ኢሎም።

ኣፈወርቅ እያዩን ፍሬህይወት ሰፊውን

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.