Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኦሮሚያን ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንሰራዊት ምክልኻል ከምኡ እውን ንተመዛበልቲ ወገናት ዝውዕል ሓገዝ ዓይነት ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ክልል ኦሮሚያ፣ ውዳበ ደቂ ኣንስትዮ ክልል ኦሮሚያ ከምኡ እውን ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንሰራዊት ምክልኻልን ንተመዛበሉ ወገናትን ዝውዕል ሓገዝ ዓይነትን ልዕሊ 22 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገንዘብን ገይሮም።
ክልል ኦሮሚያ ምስ ውዳበ ደቂኣንስትዮ እቲ ክልል ብምትሕብባር ኣብ ሓምሻይ ዙር ሓገዙ 100 ሰንጋታት ሓዊሱ ልዕሊ 12 ሚሊየን ብር ገንዘብ ንሰራዊት ምክልኻል ከምዘረከበ ኣካቢ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ሃብቲ ኣይተ ብርሃኑ ፈይሳ ተዛሪቦም።
ኣብ ቤትፅሕፈት ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብዓል ሞያ ኮምዩኒኬሽን ኣስቻለው ታደሰ ከምዝገለጹዎ፥ ኣብ ግምባራት ዓፋርን ሸዋሮቢትን 1 ሽሕን 296 ኩንታል ኣራንሽ፣ 8 ሽሕን 592 ዕሽግ ማይ፣ ሓሙሽተ ሮቶ ማይ ምስ ተሰሓቢኡ ብምሃብ ክልቲኦም ሮቶታት እቲ ኩናት ክሳብ ዝዛዘም ብቀዋምነት ኣብኡ ንክሰርሓ ድጋፍ ተገይሩ።
ውዳበ ደቂኣንስትዮ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሳልሳይ ዙር ድጋፍ ልዕሊ 6 ሚሊየን ዝግመት ደረቕ ምግብታት ድጋፍ ገይሩ።
ብተመሳሳሊ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ዓፋር ብር 10 ሚሊየንን 400 ሽሕን ድጋፍ ገንዘብ ገይሩ።
ርእሰ-ምምሕዳር እቲ ክልል ኣወል ኣርባ ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን እቲ ሚኒስቴር ቤትዕዮ ዝገበሮ ድጋፍ ዘይርሳዕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ፥ እዚ ዓብይ ምሕዝነት ነቲ ክልል ብምርኣዮም ብሽም ህዝቢ እቲ ክልል ምምስጋኖም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.