Fana: At a Speed of Life!

ብግረ ራዕዲ ሕወሓት ተወሪሮም ዝነበሩ ዝተረፉ ከተማታት ብጥምረት ሓይሉታት ፀፅታ ናፃ ይወፅኡ አለዉ

ሰበር ዜና
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግረ ራዕዲ ሕወሓት ተወሪሮም ዝነበሩ ዝተረፉ ከተማታት ብጥምረት ሓይሉታት ፀፅታ ኢትዮጵያ ብወፍሪ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ናፃ እናወፅኡ ከምዝኾኑ ኣገልግሎትየ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ጀጋኑ ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ብዝገበሩዎ መጥቃዕቲ ብግምባር ደሴ ከተማታት ሃይቅ፣ ቢስቲማ፣ ባሶሚሌን ውጫሌን ናፃ ወፂአን።
እቲ ሰራዊት ናብ መርሳ እናገስገሰ ይርከብ።
ብግምባር ተንታ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፥ ኣለም ኣምባ፣ መቅደላን ጎሽሜዳን ካብ ግብረ ራዕዲ ሕወሐት ናፃ ወፂአን።
ጥምረት ሓይሊታት ፅታ ብኹሎም ግንባራት ናብ ውሽጢ ዘሊቖም ብምእታው ንሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ናብ ቀለበት አእቲዮም ብምድምሳስ፣ እቲ ወራሪ ሓይሊ ዝዘረፎ ንብረት ከምኡ እውን ዝሓዞ መሳርሒን ዕጥቂን ሒዙ ከይወፅእ እናገበሩዎ ይርከቡ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.