Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ “1 ሚሊየን ፃውዒት ናብ ሃገር” ዝብል ምንቅስቓስ ፃውዒት ሰናይ መልሲ እናረኸበ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ 29 ሕዳር ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)”1 ሚሊየን ፃውዒት ናብ ሃገር” ዝብል ፃውዒት መንግስቲ ብኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵውያን ሰናይ መልሲ እናርአዩ ከምዝኾኑ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ፃውዒት “1 ሚሊየን ናብ ሃገር” ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵውያን ሰናይ መልሲ እናርአየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እቲ ፃውዒት÷ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ምንቅስቓስ ምጅማሮምን እዙይ ንምስላጥ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝርከቡን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ መንገዲ ኣየር ካብ ዝነበረ ዋጋ ትኬት 30 ሚኢታዊ ምንካዩ ብምግላፅ፤ ካልኦት ወሃብቲ ግልጋሎት እውን ክንክዩ ኢዮም ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሮም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂም÷ ነዙይ ተግባር ዘተሓባብር ሓይሊ ከምዝተወደበ ኣገንዚቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.