Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ዓለም ለኻዊን መድርኻት ቅዋም ኢትዮጵያ ዘንፀባርቑ መልእኽትታት ተመሓላሊፎም – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ )ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ዓለም ለኻዊን መድርኻት ቅዋም ኢትዮጵያ ዘንፀባርቑ መልእኽትታት ክመሓላለፉ ከምዝኸኣሉ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘድሃበ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ዓለም ለኻዊን መድርኻት ቅዋም ኢትዮጵያ ዘንፀባርቑ መልእኽትታት ክመሓላለፉ ከምዝኸኣሉ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣልጄርያ እናተየኻደ ዘሎ ጉባኤ ሚኒስትራት ተፀራሒ ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባር፤ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮነን እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ብኣቦ-መንበርነት እናመርሐት ከምእትርከብ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ኣብቲ መድረኽ ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝተፈላለዩ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ፅዕንቶ ኢድ ኣታውነት ዘይግቡእ ከምዝኾነ ኣረዲኦም ኢዮም ኢሎም።

ናይ ካልኦት ኢድ ኣታውነት ድማ ሰላም ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ኣፀጋሚ ከምዝገብሮ  ኣብሪሆም እውን ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኮርያ ዝተገበረ ጉባኤ ምኽባር ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ብንቕሓት ከምዝተሳተፈት ወሲኾም ተዛሪቦም።

ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ከም ትማሊ ሎሚ እውን ንምኽባር  ሰላምን ፀጥታን ፍቃደኛ ከምዝኾነትን ድልየት ከምዘለዋን ብምሕባር፤ በዚ ከምእትቕፅልን ኣፍሊጦም።

ብተመሳሳሊ ሓይልታት ኣኽበርቲ ሰላም ዘዋፅኣ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ ዝገብርኦ ዘይግቡእ ተግባር ምስፋር ሰራዊት ግቡእ ከምዘይኾነን ደው ክብል ከምዘለዎን ከምዘተሓሳስቡ ሚኒስትር ዴኤታ ከበደ ዴሲሳ ተዛሪቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.