Fana: At a Speed of Life!

ንኢትዮጵያ ከፍርሱ ዝመፅኡ ግብረ ራዕዳውያን ንባዕሎም እናፈረሱ ይርከቡ – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ከፍርሱ ዝመፅኡ ግብረ ራዕዳውያን ንባዕሎም እናፈረሱ ከምዝርከቡ ሙሁራን ገሊፆም።

ምፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ተማራማሪ ምሕደራ ህዝቢን መንግስቲን ዶክተር መሓመድ ዓሊ ከምዝበሉዎ÷ ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ሓፂር እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ እናተመርሐ ሃገር ናይ ምድሓን ልኡጀኽትኡ የዕውት ኣሎ፡፡

እቲ ዓወት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ብድሕሪቱ እናኣዘዙዎ ዝነበሩ ሓያላት ሃገራት ዘሰከፈ ከምዝኾነ ዶክተር መሓመድ ዓሊ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምትሕብባር ህዝቢታት እናፈረሰ ይርከብ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልቂጠየ ምሁር ሕጊ ኣይተ ሃይሉ ነጋ÷ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጥምር ሓይሊ ፀፅታ ሃገር ናይ ምፍራስ ሽቶ እቲ ግብረ ራዕዲ እናዕነዉዎ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ እታ ሃገር ንኢደዙር ኲናት ኣሕሊፉ ዝሃበ ንባዕሉ ረብሓ ንህዝቡ ዋጋ እናኽፈለ ዝርከብ ኣጥፋኢ ሓይሊ ስለዝኾ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ጉጅለ ከምዝተዳኸመን ካብ ካይሮ ክሳብ ዋሸንግተን እናተለኣኣኸሎም ዝነበሩ ሃገራት እውን ሕፍረት ከምዝተጎልበበን ገሊፆም።

እቶም ሙሁራን ኣብ ሕድሕድ ግምባር ዝተሰለፈ ህዝቢ እውን ብሓድነቱ ጠንኪሩ ኢዩ ዝበሉ እንትኾኑ÷ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ቀፃሊ ስግኣት ፀፅታን ሰላምን ኢትዮጵያ ክሳብ ዘይኾነሉ እዋን ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ብሃይለእየሱስ መኮንን

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.