Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ መበል 17 ፎረም ምሕደራ ኢንተርኔት ክተተኣናግድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2015 ዓ.ም ዝካየድ መበል 17 ፎረም ምሕደራ ኢንተርኔት ከምተተኣናግድ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁርያ ዓሊ ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ጉዳይን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሉ ዤንሜን ኣብ ምድላው እቲ ፎረን ኣድሂበን ተዛቲየን።

ሉ ዤንሜን፥ ኣብ ኣፍሪካ ርክብ መርበብ ሓበሬታ ትሑት ከምዝኾ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ተተኣናግዶ ዝቕፅል ፎረም ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ቀፀልቲ ኣንፈታት ዝቕመጡሉ ክኸውን ኢዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁርያ ዓሊ ብግደአን፥ ኣፍሪካ ካብ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ተረባሒት ንምግባርን ምስ መሰረተ ልምዓት ዝተተሓሓዙ ፀገማት ንምፍታሕ ትገብሮ ፃዕሪ በዚ መልክዕ እንተተሓጊዙ ፅቡቕ ውፅኢት ክምዝገብ ኢዩ ዝብል እምነተን ገሊፀን፡፡

መበል 16 ጉባኤ ምሕዳራ ኢንተርኔት ኣብ ፖላንድ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ እቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ሓደ መድረኽ ብምምፃእ ምስ ኢንተርኔት ዝተተሓሓዙ ፖሊሲታት ዝተኻየደሉ ከምዝኾ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ዓለም 3 ቢሊየን ዝኸውን ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣገልግሎት ቴሌኮምን ኢንተርኔትን ከምዘይረክብ ሓበሬታታት የመላኽ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.