Fana: At a Speed of Life!

ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ሕርሻ ዝራእቲ ሓረስቶት ኣኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ሕርሻን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ሰበታ ጣብያ ሃዋስ ናኖ ጀዌ ዝራእቲ ሓረስቶት ኣኪቦም።

ዕላማ እቲ ፕሮግራም ኣብ ዙሪያ ልምዓት እናተገብረ ርብርብ ምድግጋፍን ዝራእቲ ሓረስቶት ብኽነት ብዝንኪ መልክዑ ንክፍፅሙ ምግባርን፤ ከምኡ እውን ንስራሕቲ ልምዓት ሓጋይ መስኖ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ፀገም ፀጥታ ኣብ ዘለዎም ከባብታት ዝህሉ ናይ ምህርቲ ምንካይ ብዘከሓሕስ መልክዑ ንክሰርሑ መልእኽቲ ንምምሕላፍ ምዃኑ÷ ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ልምዓት ሕርሻን ሆርቲካልቸርን ዶክተር መለስ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ ናይ ሎሚዘበን እዋን ዝራእቲ 12 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሄክታር ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ብምሽፋን 374 ነጥቢ 66 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ እናተሰርሐ እንትኸውን÷ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ ኣተኣኻኽባ ፍርያት ከባቢ 30 ምኢታዊት ከምዝተኣከበ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ 70 ምኢታዊት ዝራእቲ ንምእካብ ንሜካናይዜሽን ኣብ ዝምችዉ ከባብታት ናይ ምዕፃድን መእተዊ ዓውድን ማሽናት ብምጥቃምን ኣብ ካልኦት ከባብታት ስድራ ሓረስቶት፣ ተምሃሮን ሰራሕተኛታት መንግስትን ብምትሕብባር ብኽነት ብዝንኪ መልክዑ ምእካብ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ድማ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ዝገብርዎ ፀቕጢ ብምቅዋም ኣብ ምንቅስቓስ #ይኣክል ተፀምቢሮም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.