Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ግምባር ምዝማቶም ህዝቢ ንዓወት ኣለዓዒሉ ኢዩ – ኣመራርሓታት ክልል ዓፋር

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ ናብ ግምባር ምዝማቶም ህዝቢ ንዓወት ከምዘለዓዓሎ ኣመራርሓታት ክልል ዓፋር ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣይተ ኣሕመድ ኑርሳሊ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ግምባር ምዝማቶም ህዝቢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ እቲ ወራሪ ሓይሊ ዓወት ንኸሓፍስ ዝበለፀ ኣለዓዒሉዎ ኢዩ።

ውሳነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንኣመራርሓታት ክልል ዓፋርን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ልዕሉ ምልዕዓል ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም፡፡

ውሳነ እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስትር፥ ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ዝነዝሖ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ሙሉእ ብሙሉእ ዘምክንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ጉጅለ ጥፍኣት ንመወዳእታ እዋን ንምቕባር ዘለዓዕልን ከምዝኾ እውን ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣይተ መሓመድ ኣሕመድ ብግደኦም፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሃገሮምን ንህዝቢን ትኽክለኛ መራሒ ከምዝኾ ዘመስከሩሉ ውሳነ ከምዝኸነ ተዛሪቦም።

እናተዳኸመ ዝኸድ ዘሎ ሓይሊ ጥፍኣት ኣብ ሓፂር እዋን ንምውጋድ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓድነት ክለዓል ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.