Fana: At a Speed of Life!

እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን 4 ትእዛዛት ኣውፂኡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ትማሊ ምሸት ኣርባዕተ ትእዛዛት ኣውፂኡ።

እቲ እዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝምልከቱ እዋናዊ ኩነታት ገምጊሙ።

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብመንፅር ዝተትሓዘሉ ዕላማ እንትረአ፥ ኣፈፃፅምኡ ብፅቡቕ ኩነታት እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

እቲ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቁፅሪ ሰለስተ፥ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ንምጥንኻርን ማሕለኻ ዝኾኑ ፀገማትን ንምውጋድ ኣርባዕተ ትእዛዛት ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ዩኒፎርም መለለዪ ክዳን ናይ ባዕሉ ዝኾነ ሕጊን ስርዓትን ኣከዳድና ኣለዎ፡፡ ካብዚ ሕጊን ስርዓትን ወፃእ ናይ ተኸደንቲ መፍለዪ ዩኒፎርም ተኸዲንካ ምርካብ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ እናሃወኸ ይርከብ፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፣ ቦታን ግዘን ናይ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ስሩዕ ፖሊስን ዩኒፎርምታት፣ ኣባል ኣካላት ፀፅታ ዘይኮነ ዝኾነ ይኹን ሰብ ተኸዲኑ ምርካብ ብፍፁም ዝተኸልከለ ኢዩ፡፡ ኣባል እቲ ትካል ዘይኮነን ዝተሓደሰ መለለዪ መንነት እንተይሓዘን ዩሊፎርም ተኸዲኑ ኣብ ዝተረኸበ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣካላት ፀፅታ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስዱ ተኣዚዙ።
  2. ኣብዚ ሕዚ እዋን ንርከበሉ ሃገር ናይ ምድሓን ወፍሪ ህልውና ብጥቡቕ ዲሲፕሊንን ብልዑል ጥንቃቐን ክፍፀም ዝግበኦ ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ይኹን ወታደራዊ ምንቅስቓሳት፣ ውዕሎ ዓውደ ኲናትን ውፅኢቱን ዝምልከት፣ ብእዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስልጣን ካብ ዝተውሃቦ ኣካል ወፃእ፣ ብዝኾነ ይኹን መራኸቢ ሓፋሽ ምምሕልላፍ ዝተኸልከለ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ግምባር ዝርከቡ ኣመራርሓታት ስቪሊን ወታደራዊን ካብ ዝተውሃቦም ወፍሪን ልኡኽቶን ወፃ ዝኾነ ይኹን ወታደራዊ ምንቅስቓስ፣ ውዕሎ ዓውደ ኲናትን ውፅኢቶምን ዝምልከቱ መግለፂታት ምሃብ ዝተኸልከለ ኢዩ፡፡ ኣካላት ፀፅታ እውን ነዚ ተመሓላሊፎም ኣብ ዝርከቡ ኣካላት ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስዱ ተኣዚዙ።
  3. ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገር ዝተሃቀነ መጥቃዕቲ ንምምካት መንግስቲን ህዝቢን ተዋዲዶም እዋናዊን ሕጋዊን ስጉምቲ እናወሰዱ ይርከቡ፡፡ ይኹ እምበር ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፣ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓቱ ካብ ዝፈቕዶ ወፃእ ስግግር መንግስቲ ወይ እውን ካሊእ ዘይሕጋዊ ቅርፂ ዘለዎ መንግስቲ ክንምስርት ኢና ኢሎም ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝገብሩ ኣካላት ኣካላት ፀፅታ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስዱ ተኣዚዙ።
  4. ኣብዚ ሕዚ እዋን ቀንዲ ዛዕባ ኢትዮጵያውያን ሃገር ምድሓን ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኢዩ፡፡ ዝኾነ ይኹን ሓሳብን ተግባራዊ ምንቅስቓስን ነዚ ቀንዲ ዛዕባ ዘየተዓናቕፍ ክኸውን ይግባእ። ስለዝኾነ ናይ ሓሳብ ናፀነት ሰበብ ብምግባር ዝተፈላለዩ ማዕኸናት ሚዲያ ብምጥቃም፣ ናይቲ ግብረ ራዕዲ ብምጥቃም ይኹ ብተዘዋዋሪ መገዲ ብምድጋፍ ኣብ ወፍሪ ህልውና ማሕለኻ ዝፈጥሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣጠንቂቑ፡፡ ነዚ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፎም ካብ ተግባሮም ዘይእቀቡ ኣካላት ሓይሊታት ፀፅታ ግቡእ ስጉምቲ ንኽወስዱ ኣዚዙ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.