Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጅማ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኩናትን 14 ሽሕ ናይ ሓሶት ኖታት ብርን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጅማ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኩናት ሓዊሱ 14 ሽሕ ናይ ሓሶት ኖታት ብር ከምዝተተሓዙ ዋና ዳይሬክተር መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ፉፋ መገርሳ ኣፍሊጦም፡፡

ኮማንደር ፉፋ መገርሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ÷ ፀጥታ እታ ከተማ ንምዕሳል ኣብዚ ሰሙን ብዝተገበረ ፍተሻ÷ ዝተቐበሩ መሳርሒታት ኩናት ሓዊሱ ናይ ሓሶት ኖታት ብር ከምዝተትሓዙ ገሊፆም፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተተሓዙ መሳርሕታት÷ 2 ክላሽ፣ 5 ሽጉጥ፣ 100 ናይ ክላሽን 5 ጠያይቲ ብሬን ይርከብዎ፡፡

ብተወሳኺ እውን ተቐቢሮም ዝመረቱን ተሰባቢሮም ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ዝኾኑ መሳርሕታት ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕሉ ዝነበሩ 14 ሽሕን 200 ናይ ሓሶት ኖታት ብር ብሓበሬታ ሕብረተሰብ ከምዝተተሓዙ ኮማንደር ፉፋ ኣፍሊጦም፡፡

ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር÷ ነበርቲ እቲ ከተማ ኣብ ጎኒ ኣኽበርቲ ፀጥታ ብምዃን ናይታ ከተማ ሰላም ንምኽባር እናገበርዎ ዝርከቡ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃዊዒት ኣቕሪቦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.