Fana: At a Speed of Life!

ዕላማ ሃገር ምፍራስ ዝሓዙ ግብረ ራዕዳውያን ይገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ንምፍሻል ምስራሕ ይግባእ – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን  

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕላማ ሃገር ምፍራስ ዝሓዙ ግብረ ራዕዳውያን ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምስ መሻርኽቶም ብምኻን ይገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ንምፍሽል ብጥንኩር ሓድነት ምስራሕ ከምዝግባእ ጉዳያት ወፃኢ ሚኒስቴር ዴኤታ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሚኒስቴር ዴኤታ እዚ ዝበልዎ ሎምዓንቲ “ዲፕሎማሲና ብሓዱሽ ምዕራፍ ንዝበለፀ ለውጢ” ብዝብል ቴማ መራሕቲ ሚሲዮንን ሓለፍቲ ስራሕ ዋና ቤት መስርሕን  ዓመታዊ ኣኼባ እንትጅመር እዩ፡፡

ሃገር ንምፍራስን ንምብፅባፅን ይግበር ዘሎ ተልእኾ ግብረ ራዕዳውያንን ተሓባበርቶምን ንምምካን ብዘፈር ዲፕሎማሲ ብዙሕ ስራሕ ትፅቢት ከምዝግበር ኣምባሳደር ሬድዋን ምዝራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣፈኛ ጉዳያት ወፃኢ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበቴታ ያመላኽት፡፡

ትካላዊ ለውጢ ኣገልግሎት ኣወሃህባ ኣፈፃፅማ ንምዕባይ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ኣቲ ስራሕ ክውዕሉ ዝተገበሩን እዋናዊ ዘይኮኑ መምርሕታትን ብምምሕያሽ፣ግድፈት መዋቕር ብምፍላይ ፣ትካላዊ ሪፎርም ካብ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብራህሪሆም፡፡

ኣብ ቤት መስርሒ ምኒስቴር ክስራሓሉ ዝፀንሐ ስራሕ ለውጢ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚሩ ብብርኪ ዓለም ለኸ ዝገበር ለውጢ ስራሕ ሓደ ኣካል ምዃኑን እዋናዊ ኩነታት ዘገናዘበ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምስላጥ ንከኽእል ተገይሩ ዝተቐረፀ ከም ምዃኑ ወሲኾም ኣልዒሎም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.