Fana: At a Speed of Life!

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣባላት ኮሚቴ ፈፀምቲ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ናብ ግምባር ንምዝማት ወሲኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ግምባር ዘቕንዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዘቕረቡዎ ፃውዒት መሰረት ብምግባር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ኣባላት ኮሚቴ ፈፀምቲ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ናብ ግምባር ንምዝማት ወሲኖም።

ሓሙሽተ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልልፅግና እቲ ክልልን ብብርኪ ፌዴራል ናብቲ ግምባር ብምፅምባር ዝወሰኑ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ናብ ግምባር ብምፅምባር ፊት ንፊት ብምዃን ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ከምዘሳልጡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣይተ ኢስሃቅ ኣብደልቃድር ገሊፆም።

ሽርሒ ንምብታኽን ሃገር ክትቅጥል ንምግባርን ሰራዊት ምክልኻል፣ ሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ህዝባዊ ሓይሊታትን ብዝቐረበሎም ፃውዒት ክተት መሰረት ብምግባር ኣብ ኩሎም ግምባራት እናተቓለሱ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ምልመላ ኣባላት ሰራዊትን ምዝገባ ተመለስቲን ከምኡ እውን መደብ ልገሳ ደምን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ከምዘሎ ምግላፆም ካብ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.