Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመዛበሉ ወገናት ንምድጋፍ ፍሉይ ትኹረት ንኽሃብ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመዛበሉ ወገናት ንምድጋፍ መንግስቲን ሓገዝቲ ትካላትን ፍሉይ ትኹረት ንኽገብሩ ተሓቲቱ።

ላእለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ምስ ሓለፍቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣድሂቦም ኣብ ከተማ ባህርዳር ዘቲዮም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ምትሕብባር ውሕስና ምግቢን ምክልኻል ሓደጋን ክልል ኣምሓራ ዘለኣለም ልጃለም ከምዝሓበሩዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈጠሮ ኲናት ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ተፈጢሮም ኢዮም።

ቅድሚ ኲናት እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብቲ ክልል ኣምሓራ ቅማንት፣ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉልን ብዝፈጠሮም ጎንፂታት ከምኡ እውን ሕዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝወለዖ ኲናት ብሓፈሻ ልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ወገናት ከምዝተመዛበሉ እቶም ኮሚሽነር ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ክሳብ ሕዚ ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ልዕሊ 7 ሚሊየን ህዝቢ ብሕፅረት ምግቢን መድሓኒትን ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ኣመላቶም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ምትኩ ካሳን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልልን ፌዴራልን ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.