Fana: At a Speed of Life!

ጉዳይ ምድሓን ሃገር ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ጥራሕ ዘይኮነስ ናተይ እውን ኢዩ – ድምፃዊ ኣቡሽ ዘለቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ጉዳይ ምድሓን ሃገር ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ጥራሕ ከምዘይኮነ ድምፃዊ ኣቡሽ ዘለቀ ገሊፁ።

ድምፃዊ ኣቡሽ ዘለቀ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ግምባር ምዝማቶም ብምሕባር፤ ሃገር ናይ ምድሓን ጉዳይ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ጥራሕ ኣይኮነን ኢሉ፡፡

ኣብዚ እዋን ሃገር ብትደልዮ ዓውዲ ኩሉ ተሰላፊ ክኸውን ኣለዎ ዝበለ ድምፃዊ ኣቡሽ፥ ኢትዮጵያ ካብ ኣቦታትና ዝተረከብናያ ሃገር ኢያ፤ ንሕና ድማ ንደቅና ሓሊና ናይ ምፅናሕ ሓላፍነት ኣለና” ክብል ገሊፁ፡፡

“ንደቅና ነውርሳ ሃገር ድማ ህልውናኣ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ክነድሕና ይግባእ” ኢሉ፡፡

ካሊእ ሃገር የብልናን ዝበለ እቲ ድምፃዊ፥ “ዘለትና ሓንቲ ሃገር ኢያ፤ ዘለትና ሓንቲ ሃገር ንኽትፈርስ ኣይንፈቅድን ክብል ኣብሪሁ፡፡

ከም ውልቀ ሰብ ሃገር ካባይ ትፅበዮ ነገር ንምግባር ድሉው ኢየ፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ እውን ድሉው ክኸውን ከምዝግባእ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.