Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘንፀላለወ ሓደጋ ዝምጥን ምላሽ ንምሃብ ሎሚ መዓልቲ ክንብገስ ይግባእ – ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንዘንፀላለወ ሓደጋ ዝምጥን ምላሽ ንምሃብ ሎሚ መዓልቲ ክንብገስ ይግባእ ክብሉ ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ፀዊዖም።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣመራርሓ ቅድሚት ብምስላፍ ነቲ ወፍሪ ንምራሕ ከምዝወሰነ ዕላዊ ገይሩ ኢዩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ግምባር ኮይኖም ነቲ ወፍሪ ከምዝመርሑ ገሊፆም ኢዮም፡፡

ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና እውን ኣብ ግምባር ተሰሊፎም ናይ መሪሕነት ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ ገሊፆም፡፡

ኣባል እቲ ፈፃሚ ስራሕ ዝኾኑ ኣይተ ብናልፍ ኣንዱ ኣለም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘንፀላለወ እዋናዊ ሓደጋ ዝተሓላለኸን ብዙሓት ተዋሳእቲ ዝተሳተፉሉ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ብድሕሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምዃን ተምሳሌት ናፅነት ኣፍሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ንምምብርካኽ ልዑል ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያውያን ነዚ መሰረት ብምግባር ነቲ ዘንፀላለወ ሓደጋ ዝምጥን ምላሽ ነምሃብ ክለዓሉ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ካሊእ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ብግደአን÷ እቲ ሓደጋ ንኢትዮጵያ ከም መእተዊ በሪ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ መላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ዝተሃቀነ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህልውናኣ ሓደጋ እንተጋጥማ እዚ ናይ መጀመርታ ከምዘይኮነ ዝገለፃ ወይዘሮ ሙፈሪሃት÷ ኢትዮጵያውያን ኣቦታት ብመስዋእትነቶም ክሳብ ሕዚ ከምዘፅንሑዋ ኣዘኻኺረን፡፡

ናይ ሕዚ ወለዶ ኣሰር ኣቦታቱ ብምኽታል ንእዋኑ ዝምጥን ምላሽ ክህብ ከምዝግበኦ ኣገንዚበን፡፡

ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት ብዓወት ናይ ምውፃ ዓቕሚ ከምዘለዋ እውን እቶም ኣባላት ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.