Fana: At a Speed of Life!

“ኢትዮጵያ” ዝብል ናይ ናፅነት ሽም ንምሕላው ናይ ታሪኽ ሓደራ ኣለና – ቀ/ሚ ኣበይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ኢትዮጵያ” ዝብል ናይ ናፅነት ሽም ንምሕላው ናይ ታሪኽ ሓደራ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣበይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ሙሉእ መልእኽቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ፍቱዋት ደቂ ሃገረይ፣ ክቡራት ፈተውቲ ኢትዮጵያ፣

ኢትዮጵያ ብደቃ ጅግንነትን መስዋእትነትን ክብራን ናፅታን ሓሊያ ዝነበረት ሃገር ኢያ። እዚ ድማ ፈታዊን ፀላኢን ይፈልጦ ኢዩ። ድንበራ ክደፍሩ ዝፈተኑ ዘይንካእ ቅልፅማ ሪኦም ኢዮም። ከግብሩዋ ዝተሃንቀዉ ደኒኖም ተመሊሶም ኢዮም።

ክህደት ለፈጸሙባት ተገቢውን ትምህርት መስጠት፣ ክሕደት ዝፈፀሙላ ግቡእ ትምህርቲ ምሃብ፣ ብድሕሪት ዝወግኡዋ ዘድሊ ቅፅዓት ትፈልጥ ኢያ። ንኣሽሓት ዘበናት ዝተጎናፀፈቶ ናፅትን ሉኣላዊ ክብሪን ብውህብቶ ዝተረኸበ ኣይኮነን። ብዘይዋጋ ናፅት ኣፅዕኻ ምሕላው ኣይከኣልንሞ፤ ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ናፅነት ሽም ናይ ደም ዋጋ ተኸሊሉሉ ኢዩ፣ ብርቱዓት ጀጋኑ ሞይቶምሉ ኢዮም።

ብታሪኅ ንፈልጦም ኣቦታትና ብምምሕዳርን ርእዮተ ኣለምን ይፈላለዩ፤ ንመሰል፣ ንፍትሒን ማዕርነትን ብዝነበሮም ኣመለኻኽታ ይፈላለዩ ኢዮም። ንኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ናፅነትን ሉኣላውነትነ ብዘለዎም ቦታ ግን ኣፈላላይ ኣይነበሮምን፡፡ ብቋንቋ፣ ብብሄርን ብዓሌትን ብዝሓት የሃልዎም እምበር ኣይድፈርን በሃላይ ቆራፅነቶም ሓደ ኢዩ ዝገብሮም፡፡ ውለቃዊ ድሌቶም ብዝኾ ይኹን መጠን ዝተረሓሓቐ ይኹን፣ ሓበራዊ ፀላኢ እንትመፅ ኢትዮጵያዊነት ልዕሊ ውልቃዊ ድሌቶም ዝቕመጥ ኢዩ።

ሎሚ ይኹን ቀደም ናይ ሕድሕድና ድሌት፣ ናይ ኩልና ህይወት ትሕቲ ኢትዮያ ኢዩ። ንሕና ነይርና ኢትዮጵያ ካብ ትመውት ንሕና ሞይትና ኢትዮጵያ ክትነብር ኢና ንደሊ ኢና። ናይ ኩልና ዝኾነት፣ ናፅነትን ፍትሒን ዝዓሰላ፣ ብናፅነታ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ትፅዋዕ ሃገር ክትህልወና ድሌትና ኢዩ።

ንኢትዮጵያ ዓቢዪ ብምምናይ፤ ሃገርና ህሳዳ ቅንዕ ንኽብል ብምድላይ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዓቕምና ዝፈቐዶ ኩሉ ገይርና ኢና፡፡ ፖለቲካና ካብ ምቅትታል ናብ ምቅላስ ንሕቕየር ተቃሊስና ኢና፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ኩልና ኢያ ኢልና ካብ ሃገር ወፃእ ዝንከራተቱ ኩሎም ንኸኣትዉ ንምግባር ፈቲንና ኢና።

ካብ ዝሓለፈ ፀፅቡቑ ወሲድና ጥፍኣት ብይቕሬታ ንምእራም ተንቀሳቒስና ኢና፡፡ “ብፍቕሪ ንደመር፣ ብይቕሬታ ንሻገር” ኢልና ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊትና ኢና፡፡ ናይ ምፍልላይን ፅለኣትን መንደቕ ኣፍሪስና ድልደል ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ክንሃንፅ ዝኣተናዮ ቃል ናብ ተግባር ንምትርጓም ዓቕምና ዝፈቐዶ ገይርና ኢና።

ኢኮኖሚ ንኸንሳዕርርን ናይ ኣወዳድባ ለውጢ ንኽፅእን፤ ስርዓት ዳይነት ንኽመሓየሽ፣ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ንኽስተኻኽል፤ መምርሒ ጉዳያት ወፃኢና ኣብ ጎረቤት ዘድሃበ ንኽኸውን ተቃሊስና ኢና፡፡ ኣብ ሞንጎ እዚ ከም ሰብ በርቲና ኢና፣ ከምሰብ ደኺምና፣ ከምሰብ ኣልሚዕና፣ ከምሰብ እውን ኣጥፊእና ኢና፡፡ ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ ክብሪ፣ ዕቤትን ኢትዮጵያ ግን ንፃት እውን ኣዘምቢልና ኣይንፈልጥን።

ኢትዮጵያ ተህርፍ ሃገር ኢያ፡፡ ካብ ትማሊኣ ንላዕሊ ፅባሓ ዓቢዪ ኢዩ፡፡ መከራ ምሕላፍ ንቡር ክእለታ ኢዩ፡፡ እዚ ገጢሙና ዘሎ መከራ እውን ክንሓልፎ ኢና፡፡ ኢትዮጵያ ምስዓራ ኣይተርፍን፡፡ ሕዚ ንኢትዮጵያ ንምድሓን ናይ መወዳእታ ቃልሲ ንገብረሉ እዋን ንርከብ፡፡ ፀላእትና ብውሽጢን ብደገን ተዋዲዶም ዘሚቶምልና ኢዮም፡፡ ብሓደ ወገን ታሪኻዊ ፀላእትና ብናይ ባዕላ ፍቓድን መገዲን ተዓቢ ኢትዮጵያ ንዘይምርኣይ ናይ ጥፍኣት በትሪ ወርዊሮም ኢዮም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ኢትዮጵያ ኣፍሪካዊ ብዝኾነ መንገዲ እንተተላዒላ ተላዒላ እውን እንተስዒራ ድሕሪ ሕጂ ንማንም ዘይትምልስ ክትኮን እያ። እዚ ኣፍሪካዊ መንገዲ ንምትዕንቓፍ ኩሉ ዓይነት ናይ ክፍኣት መሳርሒ ኣሰሊፎም እዮም።

ውሽጣውን ግዳማውን ፀላእቲ ብርተዐኦም ኣብ ድኽመት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ተላዒሎም እዮም።

ድልየት ኢትዮጵያ ሒዝካ ምሕላፍ እምበር ሰንዲኻ ምሕላፍ ኣይነበረን፤ ነዚ እዩ ድማ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢና ጎረቤት ተኮር ክኾን ዝገበርናዮ፡፡እዚ ቃልሲ፤ ቃልሲ መላእ ፀለምቲ ህዝብታት እዩ። ንኢትዮጵያ ኣንበርኪኽካ ፀለምቲ ህዝብታት ንምሕፋርን ሓድሽ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምፅዓን ዝግበር ሽርሒ እዩ።

ፀለምቲ ህዝብታት ናይ ባዕልና ታሪኽ፣ ባህሊ፣ መንነትን ክብርን ከይህልወና ኮነ ተባሂሉ ክሳድና ንምድፋእ ዝግበር ቃልሲ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ ወፍሪ፣ ኢትዮጵያ ብምምብርካኽ ጸለምቲ ህዝብታት መርኣያ ናፅነት ሰዓራይነትን ከይረኽቡ ዝተኸፈተ ወፍሪ ምዃኑ ከዘኻኽረኩም ይፈቱ።ንኽብርን ልዕልናን ፀለምቲ ህዝብታት ክትብሉ ብመንፈስ ፓን ኣፍሪካን ኩሉኹም ፀለምቲ ህዝብታት ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ንኽትብሉ ፃውዒት የቕርበልኩም።

ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ ቃልሲ ናይ ኩልኻ ኢትዮጵያዊ እዩ። ደቅና ሃገር ንኽህልዎም ዝግበር ቃልሲ እዩ። ደቅና ክብርን ናፅነትን ሃልይዉም ፣ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብኩርዓት ቀኒዖም ንኽኀዱ ዝግበር ቃልሲ እዩ። ኣብ ዓለም ብኽብሪ እንፅወዐሉ ስም ንኽህልወና ዝግበር ቃልሲ እዩ።ምንባርናን ወይ ዘይምንባርናን ዝውሰነሉ ቃልሲ እዩ። ብዘይ ጥርጥር ግና ክንስዕር ኢና። ኢትዮጵያ ፀዊዕኻ  ምስዓር ፈፂምካ ዘይሕሰብ እዩ።

እዚ ግዘ ሃገር ብመስዋእተነት ምምራሕ ዝድለየሉ እዋን እዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣነ ኣብ ግምባር ኮይነ ሰራዊት ምክልኻል ንምምራሕ ፅባሕ ናብ ሜዳ ቃልሲ ክፅምበር እየ። ታሪኽ ካብ ሞንጎ ዘድንቖም ደቂ ኢትዮጵያ እቲ ሓደ ንምዃን እትሓስቡ ኩሉኹም ንሃገርኩም ክትብሉ ተላዓሉ፤ ኣብ ግምባር ንራኸብ፡፡

ናትና ምዝማት ዝፈጥሮ ክፍተት ካብ ግንባር ዝተረፉ ብሙሉእ ዓቕሞም ሸፊኖም ክሰርሑ እዮም፡፡ኣብ ግምባር ዘይተሰለፉ ኣመራርሓታት ክልልን ፌደራልን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ምምሕዳራውን ናይ ልምዓት ስራሕትን ብሙሉእ ዓቕሞም ክውግኑ እዮም።

ዓበይቲ ብብልሓት ከባቢኦም ይሓልዉ፣ ኣረጋውያን ኣቦታትን እኖታትን ብፀሎት እናበርትዑ፤ ኩሉ ሰብ ተሓባቢሩ ሰዓራይነት ኢትዮጵያ ከረጋግፅ እዩ።ድሕሪ ሕጂ ኣብ ሩሑቕ ኮፍ ኢልና ኣረምቲ እንኾነሉ ግዘ ኣይኮነን። ክግበር ዝግበኦ ንሕና ክንገብሮ ኢና።

ንኢትዮጵያ ካባና ንላዕሊ ካብ ዝኾነ ቦታ ኣይመፅእን። ኢትዮጵያ ዝብ ስም ናይ ሰዓራይነት ስም እዩ፤ ምልክት ናፅነት እዩ። ኣይጠራጠርን፣ ናተይ ወለዶ ንሰዓራይ ስሙን ንናይ ናፅነት ምልክቱን ትፅቢት ዝግበሮ ዋጋ ከፊሉ ኢትዮጵያንን ኢትዮጵያዊነትን ኣብ መዝገብ ክብሪ ብወርቂ ብርዒ ይሕትም።

የቐንየለይ!!

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተኸቢራን ተሓፊራን ንዘላለም ትንበር!!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.