Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2013/14 ዓ.ም 13 ሚሊየን ኬክታር መሬት ንምልማዕ ተሓሲቡ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2013/14 ዓ.ም 13 ሚሊየን ኬክታር መሬት ንምልማዕ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘበነ ምህርቲ 2013/14 ዓ.ም 13 ሚሊየን ኬክታር መሬት ንምልማዕ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ከምዝኾ ገሊፀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ኣተኣኻኽባ ምህርቲ ከምዘተጀመረ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ 12 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ክሽፈን ከምዝኸኣለ ኣገንዚበን።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ኲናት ቀጠና ዝርከቡ ብፍላይ ኣብ 5 ዞባታት ክልል ኣምሓራ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ተዘሪኡ ክንክን ዘይተገበረሉ ዝራእቲ ከመዘሎ ኣብሪሀን፡፡

ኣብዘቶም ዞባታት ልዕሊ 47 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ከምዝተኣከበ ዝገለፃ ወይዘሮ ሰላማዊት፥ እቲ ጉድለት ንምክሕሓስ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢለን፡፡

ኣብ ስራሕቲ ምክሕሓስ ብልምዓት መስኖ 33 ሺሕ ሄክታር መሬት ተሓሪሱ ክሳብ ሕዚ 28 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ እውን ኣብ መግለፂአን ኣብሪሀን፡፡

ብፌቨን ቢሻው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.