Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ኣብ 27 ዓለም ለኸ ከተማታት ኢድ ኣእታውነት ዝቃወም ሰልፊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም  ኢትዮጵያውያን ኣብ 27 ከተማታት ንመንግስቲ ኣሜሪካን ሓደ ሓደ ምዕራባውያን መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮያ እናገበሩዎ ዝርከቡ ኢድ ኣእታውነትን ፅዕንቶን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ክሳብ ዋሸንግተን ዲሲ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ ብዙሓት ዝተሳተፉሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኢዩ ተኻይዱ።

ናይ ሕሶት ፀብፃብ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽን መንግስታት ብመረፃ ናብ ስልጣን ዝመፅአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምውዳቕ ዝገብሩዎ ፃዕሪን ኮኒኖም።

እቶም ሰልፈኛታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ምክፍፋል ዝተመርኮሰ ፖሊሲኣ ንኽትእርም ሓቲቶም።

ኢድ ኢትዮጵያ ንምጥምዛዝ ዝግበር ፈተነ ምግፋፍ ናፅነት ኣፍሪካ ኣካል ፖሊሲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስለዝኾነ፥ የኣክል “#NoMore” ብዝብል ጭርሖኦም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።

ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ምድጋፍ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን መላእ ኣፍሪካን ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣካይዳ ከምዝኾነ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ባይደን ንኽግንዘብ ምሕታቶም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.