Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ 5 ክላሽን-ኮቭ ጠብመንጃን 6 ሽጉጥን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ብዝተገበረ ብርበራ 5 ክላሽን-ኮቭ ጠብመንጃን 6 ሽጉጥን ምስ መሰል ጠያይቶም ተታሒዞም።

ካብዚ ብተወሳኺ 2 ናይ ኢድ መራኸቢ ራዲዮን ካልኦት ናውቲን ተታሒዞም፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣፅዋራት እቲ ሓደ ክላሽን ኮቭ ጠበንጃ ብምኽንያት ሕድሳት ተዓፂዩ ኢዩ ኣብ ዝተብሃለ ፔንሲዮን ኣብ ኦም ተሰቒሉ ዝተቐመጠ እንትኸውን፥ እቶም መራኸቢ ራዲዮታት ድማ ኣብ ኮርኒስ እቲ ፔንሲዮን ተሓቢኦም ዝተትሓዙ ኢዮም፡፡

ፖሊስ አዋጅ ህፁፅ እዋን መሰረት ብምግባር ካብ 10 ሕዳር 2014 ዓ.ም ብዝገበሮ ብርበራ 2 ናይ ኢድ መራኸቢ ራዲዮ ኣብ ውሽጢ ኮርኒስ ኮንፎርት ዝተብሃለ ፔንሲዮን ተሓቢኦም ዝተረኀቡ እንትኾኑ፥ ሓደ ክላሽን ኮቭ ምስ 19 መሰል ጠያይቲ ብሻራ ተጠቕሊሎም ኣብ ቀፅሪ እቲ ፔንሲዮን ኣብ ዝርከብ ኦም ተሰቒሉ ክተሓዝ ክኢሉ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ካዝና ዝተቐመጡ 138 ግራም ገይፀ መይፂ ወርቂን ናይ ወፃኢ ገንዘብን ብብርበራ ተረኺቡ፡፡

እቲ ፔንሲዮን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕድሳት እናተገበረሉ ከምዘይኮነ ፖሊስ ኣረጋጊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ወረዳ 3 ዝርከቡ ነቶም ግብረ ራዕዲ ጉጅለታት ብዝተፈላለየ መገዲ ይድግፉ ኢዮም ተባሂሎም ኣብ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት መንበሪ ገዛ ብዝተገበረ ብርበራ 4 ክላሽን-ኮቭ ጠበንጃ ምስ 140 መሰል ጥይት፣ 6 ሽጉጥ ምስ 65 ጥይት ከምኡ እውን ሓደ ናይ ኢድ ቡምባ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ምርመራ እናተገበረ ይርከብ ተባሂሉ።

ፍለፍል፦ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.