Fana: At a Speed of Life!

መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፀማ ኣዋጅ ህፁፀ እዋን ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ቀዳማይ ምልከታ መስክ ክገብር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፀማ ኣዋጅ ህፁፀ እዋን ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ቀዳማይ ምልከታ መስክ ከምዝገብር ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ለማ ተሰማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም፡፡

ኣይተ ለማ ተሰማ ኣብ መግለፂኦም፥ እቲ መርማሪ ቦርድ ካብ ዘተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናገበረ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም፡፡

ብመሰረት እዚ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ጎንፂ ኣብ ዘለዎም ከባቢታትን ፍሉይ ሕበሬታ ኣብ ዝተገበረሎምን ቦታታት ብምንቅስቓስ ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅን ተታሒዞም ዘለዉ ጉዳያትን ክምልከት ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ቦርድ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ ተፈጢሮም ብዛዕባ ዝበሃሉ ኣተሓሕዛን ጥሕሰትን ሰብኣዊ መሰል ከምኡ እውን ኣቀራርባ ሰብኣዊ ሓገዝ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ኣብሪሆም፡፡

ድሕሪ መልሲ መስክን ኣብ እዋን ዑደትን እውን እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ኣብ ቀፃሊ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣንፈታት መፍትሒ ከምዝዛተን ንሕብረተሰብ ከምዝገልፅን ገሊፆም፡፡

ብሶዶ ለማ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.