Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ቤት ግምጃ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ልዕሊ 1 ሺሕን 800 ጠያይቲ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣራት ኪሎ ዝርከብ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኣብ ውሽጢ ቤት ግምጃ ልዕሊ 1 ሺሕን 800 ጠያይቲ ብሓበሬታ ህዝቢን ፖሊስ ብዝገበሮ ብርበራን ተታሒዙ፡፡

ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ እቲ ቤተ ክህነት ቤት ግምጃ ንብረት ዝርከብ መቐመጢ ፅሕፈትን ናይ ጽሬት ኣቑሑትን ብዝተገበረ ብርበራ ዝተረኸቡ 1 ሺሕን 363 ጠያይቲ ብሬንን 493 ጠያይቲ ሽጉጥን ኢዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልተ ሳንዱቕ መቐመጢ ጥይትን ሓደ ካዝና ክላሽን ኮቭ ተታሒዙ ኢዩ፡፡

ምስቲ ጉዳይ ብዝተተሓሓዚ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ምርመራ እናተገበረሉ እንትኸውን፥ ሕብረተሰብ ብስልኪ፣ ብኣካልን ብካልኦት መራኸቢ መገዲታትን እናተጠቐመ እናሀቦ ዝርከብ ሓበሬታ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንተግባር ራዕዲ ዝጥቀመሎም ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሃይማኖት እንትኽዝንን ብሽፋን ሃይማኖት ዝንቀሳቐሱ ሓደሓደ ውልቀሰባት ብተለኣኣኺነት እናዋፈረ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንፁሃን ሰባት ዘስካኽሕ ግፍዒ እናፈፀመ ከምዝፀንሐ ፖሊስ ገሊፁ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.