Fana: At a Speed of Life!

ፀላኢ ኣብ ግምባር ወረኢሉ፣ ሚሌን ከሚሴን ክሳራ ይበፅሖ ኣሎ – ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ሃገራዊ ሉኣላውነት ንምኽባር ዝገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣገልግት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ኣገልግት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ነበር ሰራዊት ናብ ግምባር ከምዝተጓዓዙን ህዝቢ እውን ደጀንነቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለን ገሊፆም።

ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፥ ብመሪሕነት፣ ኣብ ግምባርን ብደጀንነትን እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ እቶም ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሰሙን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣፅዋራትን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ከምዝተትሓዘ ዝገለፁ ዶክተር ለገሰ፥ ዕጥቂታትን ዩኒፎርማትን ከምዝተረኸቡን እውን ኣብሪሆም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ብዝተኻየደ ፍተሻ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ኣብ ሒሳብ ቁፅሮም ክሳብ 80 ሚሊየን ብር ተረኺቡ ኢሎም።

ህቢን ሓይሊ ፀፅታን ተዋዲዶም ብምስርሖም ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝተሃቀነ ጥፍኣት ከምዘቃልዑ እቶም ሚኒስትር፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሞንጎ ህዝቢን መንግስቲን ምፍልላይ ንምፍጣር ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ እናነዝሐ ከምዝኾ ኣብሪሆም።

ምስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተተሓሒዙ እውን ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ሓገዝ ብምግባር ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት እምበር ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ከምዘይተፈፀመ ኣገንዚቦም።

ፀላኢ ኣብ ግምባር ወረኢሉ፣ ሚሌን ከሚሴን ክሳራ እናበፅሖ ከምዝኾነ እውን እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ምዕራብ ሸዋን ወለጋን ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ነዚ ድማ መናእሰይ ኦሮሞ እናርአዩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ርናባስ ተስፋዬን

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.