Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ናይ ምህናፅ ዘይኮነስ ናይ ምፍራስ ታሪኽ ዘለዎ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣፍሪስና ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና – ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ናይ ምህናፅ ዘይኮነስ ናይ ምፍራስ ታሪኽ ዘለዎ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣፍሪስና ከም ኣቦታትና ድሙቕ ታሪኽ ክንፅሕፍ ኢና ክብሉ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ልደታ ካብ ማሕበረሰብ ዝተውፃእፅኡ 10 ሺሕን 800 ሰራዊት ሰላም ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ እቶም ምክትል ከንቲባ። ኣብ ኢትዮጵያ ጥፍኣት እናፈፀመ ዝርከብ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምምካት መላእ ህዝቢ በዓል ዋና ኮይኑ ሃገሩ ንምድሓን ከምዝዘመተን ውፅኢት እናምፀአ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብሓድነትን ብምትሕብባርን ንሰራዊት ምክልኻል ደጀን ኮይንና እንተድልዩ ድማ ክሳብ ግምባር ብምኻድ ዕላማ ምፍራስ ሃገር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምምካት ሰላም ዘለዋ ልደታ ክፍለ ከተማ፣ ሰላም ዘለዋ ኣዲስ ኣበባ ሰላም ዘለዋ ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና ኢሎም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.