Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንወፍሪ ህልውና ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገር ዘንፀላለወ ዘሰክፍ ሓደጋ ብኹሉ መዳይ ርብርብ ብምግባር ግብረ ሓይሊ ወፍሪ ህልውና ብምጥያሽ ኣብ ሓፂር እዋን ዝትግበር መርሃ ግብሪ ከምዝሓንፀፀ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓ፤ልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ “ኣቦታትና መስዋእቲ ከፊሎም ሉኣላዊት ሃገርን ሕድነት ህዝቢን ዘረከቡና ሃገር ንቀፃሊ ወለዶ ናፃ ገይርካ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ክንዋፃእ ይግባእ” ኢሉ።

ዕቤትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ምስ ዘይደልዩ ሓይሊታት ውዕሊ ዘይብሉ ምትእስሳር ፈፂሞም ሃገር ንምፍራስ እንትሰርሑ ነቲ እኩይ ተግባር ተሓባበርቲ ካብ ዝኾኑ ኣካላት ወፃእ ኢዱ ዓፃፂፉ ዝልከት ኢትዮጵያዊ ከምዘየለ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መግለፂኡ፥ “ሃገር ንምሕላው ተገዲድና ዝኣተናዮ ኲናት ብዓወት ዛዚምና ተስፋ ህዝብና ንምልምላም ዝፈረሱ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅ ንኽንክእል ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ንዝቐረበ ፃውዒት ምላሽ ክህቡ ይግባእ” ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብይስማው ኣደራው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.